
መርሓባ ወጋሕታ!
መርሓባ ወጋሕታ ልሳን ውጹዕ ህዝቢ
ሰርቢ ሓርነትና ካብ ብቓልሲ ተዝንቢ
ብዘይዕንባባዶ ይሰፍፍ እዩ ንህቢ
ምኽርኺ ዘይብሉስ ይሰፍሕድዩ ልቢ
መቐረት ኣልቦ’ዩ ጨው ዘይብሉ መግቢ
ወጋሕታ ብኣኺ ንቕሓትና ኪዓቢ
እንቋዕ ተመለስኪ ኣንቲ መምህር ህዝቢ!
ኣንቲ *ሌማት ኩሉ ፈላላይ ዘይብልኪ *መቐረብ መኣዲ
ኣብ ልዕሊ’ቲ ነባር ስሩዕ መደባትኪ
ኤፍ ኤም ሳተላይት ብላዛ ኣካቲትኪ
ወጋሕታ ናይ ህዝቢ ዳግም ተመሊስኪ
እንቋዕ መጐሰና እንቋዕ ደስ በለኪ!
ነዚ ድሑር ስርዓት ክትኮንዮ መንደፍ
ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ተበለ ዓዘፍዘፍ
ወጋሕታ ብትብዓት ክትብልዮ ግደፍ
እንቋዕ ተመለስኪ ሕማም ርእሲ ህግደፍ!
ኣንቲ ድምጺ ሓቂ ኩሉ ዝጽበያ
ነታ ልሳን ህግደፍ ዕርቃና ኣውጺእያ
ብስእነት ሰማዕቲ ማሲና ደኺያ
ኣብዚ ሓጺር ግዜ ሞይታ ክትቅበርያ!
ህዝብና ብዓጸቦ ኣእጋሩ ዓጺፉ
ጾሙ እናወዓለ ኩላሶ ለኺፉ
ደቁ ብበደዊን እናተቐዘፉ
ጉጅለ ህግደፍ ግን ፍጹም ከየዕረፉ
ሽግርና ኪቕበር ሞይቱ'ዩ ዓሪፉ
እናበሉ ብሓሶት ወትሩ ይልፍሉፉ!
ኣንታ እዚ ህዝብና ረኺብዎ ዘሎ
ዘሎዎ ድኽነት *እልበት ከይኣኽሎ *ሓሳረ መከራ
እቲ እኩይ መላኺ ‘ንጉስካ’የ’ ዚብሎ
ከብዱ ብጥሙዩ ብረት ምስ ዓደሎ
ሓው ንሓው ኪቃተል የጋራጭዎ ኣሎ!
ነታ ድምጺ ሓሶት ኣብ ሃገርና ዘላ
ህዝቢ እናነብዐ እተቃልሕ ጓይላ
ንስም እቲ ኣኼስ ምውዳስ ኣመላ
ዕድመ ከይትልቅብ የዋህ ኣታሊላ፡
ይኣክል ክትብልያ ሓሶታ ከሺሕኪ
ህዝባዊት ወጋሕታ ዳግም ተመሊስኪ!
ኣንቲ መሶብ ኩሉ’ወ ወጋሕታ ናይ ሓባር
ንሓሶታት ምልኪ ኣዕምዩቕኪ ብምቕባር
ህዝብና ንምንቃሕ ሓቂ ብምብርባር
እንቋዕ ተመለስኪ ወጋሕታና በሃር!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
17-06-2013 ካብ ሓውኹም መሲናስ



